By God's Grace ብጸጋ ኣምላኽ: Recent Episodes

ዲያቆን መድሃኔ ኪዳነ

"What man of you, having an hundred sheep, if he lose one of them, doth not leave the ninety and nine in the wilderness, and go after that which is lost, until he find it?" In life there are lots of ups and downs, And I'm not proud about all the things i did in life that's including all the good and bad. But i wake up everyday knowing it's by his Grace I'm who I'm.I thank God for his Grace on me.

View Details

ሰላም ንዓኹም!
እዚ ፖድካስት "ደገ-ሰላም" ንመንእሰያት ዝጠቅም ዝበልክዎ፡ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት፡ ባህሊ፡ ጥዕና ኣእምሮን ሕማምን፡ ምሁራን ሰብ ሞያ፡ በብግዚኡ እንዳዓደምኩ ከቕርብ እየ። ከምኡ'ውን ናይ ቀጥታ ቃለ-መሕትት እንተወሓደ 2-3 መዓልታት ኣብ ሰሙን ከቕርብ እየ።
ኣብዚ ፖድካስት/ቻነል ዝተፈላለየ ሓሳብ ልክዕ ከምዚ ኣብዚ ቪድዮ ገሊጸዮ ዘለኹ፣ ኣገዳሲ ዝበልክዎ ኣርእስታት እንዳምጻእኩ ሓቢርና ክንመሃርን ክንጥቀምን የዕዚዘ ክሰርሕ ሙዃነይ ቃል የኣቱ። 
ንዘለኩም ርእይቶን፥ ሓሳባትን ድማ በዚ ኣብ ታሕታ ዘሎ ኢመይል ክትረኽቡኒ ትኽእሉ ኢኹም።
https://www.youtube.com/@degeselam
ኣብዛ ዩቱብ ቻነል ዝተጻዕነ ጠቓሚ ዝበልክዎ መደባት ነቶም ዘይጥዕመኩም ግዜ ዘይብልኩም፥ መኪና እንዳዘወርኩም፥ ስፖርት እንዳሰራሕኩም ምእንቲ ክትከታተሉ እዚኣ ናይ ድምጺ ጥራሕ ፖድካስት ጌረልኩም ኣለኹ።

View Details

ኣብዛ 3ይቲ ፖድካስተይ ብዛዕባ፥ blacklivesmatter ምድጋፍና፥ ንእምነትናን፥ ልምድናን፥ ባህልናን ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕቤናት ስለ ዝተራእየኒ፥ በቲ ንዓለም ዝጥዕማ ኣገባብ ዘይኮነስ፥ ከም ስርዓት ሃይማኖትናን፥ ባህልናን ክንድግፍን ክንቃወምን ከምዝግብኣና'ዩ።

ከምኡ'ውን ብተዛማዲ ስለ ኣብ ሃገርናን፥ ቤተክርስቲያናን ዝግበር ዘይርትዓዊን፥ ሕጋውን፥ ንስርዓተ ቤተሰብ ከምዝሃስዮ'ውን ተዛሪበ ኣለኹ።
ብቪድዮ መልክዕ'ውን ስለ ዘዳልዎ፥ እንተመሪጽኩሙ ኣብ ናተይ ቻነል ክትረኽብዎ ትኽእሉ።
https://www.youtube.com/channel/UCuhWCm0hUTrTLHjg1x4Ts0Q?view_as=subscriber

View Details

ኣብ ካልኣይ መደብ ብጸጋ ኣምላኽ፥
ምስ ዲያቆን ተስፋይ ብዛዕባ እዚ ብሰብ ሞያን፣ መንግስትን ነዚ ሓደገኛ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ኣብዝኾነ ይኹን ቦታ ብብዝሒ ኣይትተኣከቡ ዝብል መምርሒ፡ ንቤተ ጸሎታት ብፍላይ ስለ ዝውክል፡ ንሕና ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብኸመይ ክንሪኦ ይግበኣና ኣብ ዝብል ብሰፊሕ ዘቕረብክዎ መደብ ናባኹም የብሎ፡ ሰናይ ምክትታል።

View Details

Physician Assistant deacon Medhanie talks about Covid-19 and how we Christians should react to it.